12 ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?
ንሱ ንንፋስ፥ ሚዛን ምስ ገበረሉ፤ ንባሕሪ ኸዓ ብመስፈሪ ምስ ሰፈሮ፥
ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?
ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤ የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤ እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።
ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።