1 “ኣፀናንዑ፤ ንህዝበይ ኣፀናንዑ” ይብል ኣምላኽኩም።
ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፤ ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ።
ኣነ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝብለኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ንህዝቡን ንፃድቃኑን ልቦም ናብኡ ንዝመልሱን፥ ሰላም ይናገር።
ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።
ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?
“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።
ብርሃንኪ መፂኡ እዩሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ወፂኡልኪ እዩ እሞ፥ ተስኢ ኣብርሂ።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
በዝ ኸምዙይ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀልኪ፥ ቅንኣተይ ከዓ ኽርሕቐልኪ እዩ፤ ክሃድእ፥ ብድሕሪዙይውን ኣይቝጣዕን እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።
እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።