6 እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።
ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤ ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤ ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ።
ካብ ኣውሎ ንፋስን መሸምቦባን ሃዲመ ምፈጠንኩ ነይረ።
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።
እንሆ፥ ንጉስ ብፅድቂ ይነግስ፤ መሳፍንትውን ብፍትሒ ይገዝኡ።
ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ።
“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።
ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።
ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ።