5 እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።
በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።
ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።
ሃሌ ሉያ። ኦ ጐይታ፥ ኣብ ባይቶ ቕኑዓት ኣብ ማእኸል ጉባኤ፥ ብፍፁም ልበይ አመስግነካ ኣለኹ።
መዓልቲ ብደመና፥ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።
ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም።
ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ።
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ።
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን።
ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
ብርሃንኪ መፂኡ እዩሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ወፂኡልኪ እዩ እሞ፥ ተስኢ ኣብርሂ።
እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥ ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤ ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።