3-4 እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።
ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ክፅሕፎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጣ ንዝተወለዱ ኣሕሉቓውን ብመፅሓፍ ይነግሮም።
ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።”
ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤ ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።
“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።
ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።
እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።
እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።
እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’