2 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
ምድሪ ፍረኣ ሃበት፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ኽባርኸና እዩ።
ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኣብ ልዕሊ እምባታት መፀግዒ ክኸውን እዩ፤ ፍረኡውን ካብ ኦም ሊባኖስ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ከም ሳዕሪ ምድሪ ኽበቍል እዩ።
ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኽዝመር እዩ፤ ፅንዕቲ ኸተማ ኣላትና፤ እግዚኣብሄር ቅፅርን ዕርድን ገይሩ፥ ምድሓን ከንብረላ እዩ።
በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።
ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤ ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤ ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤ እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥ ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥ ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ።
ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”
ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።
ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም።
ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።
እቶም ካብኣቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግቢታት ሽንጥሮ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቶም እናቘዘሙ፥ ኣብ እምባታት ክኾኑ እዮም።
ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።
እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።
ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።
ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።
እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን።
እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።