5 ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦
ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።