4 ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥ ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።
ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦
እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ።
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።