Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 39:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 39:2
18 Referencias Cruzadas  

ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ዕንቊን ሃበቶ፤ ብድሕሪኡ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ብዝሒ ቐመማት ከቶ ኣይመፀን።


ክትመፅእ እንተላ ኸዓ ምስ ብዙሕ ጕዕዞ፥ ቀመማት ዝተፅዓና ኣግማልን ሰረገላታትን የመና ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣፅዒና ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣፃወተቶ።


በብዓመቱ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ገፀ በረኸት ሒዙ ድማ ይመፅእ ነበረ።


ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።


ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።


ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ።


እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።


ንግስተ ሳባ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ፥ ብዙሕ ሽቱን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝተፅዓና ኣግማል ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም መፀት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፥ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ነገረቶ።


ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ሽቱን ክቡር ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስተ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ሽቱ፥ ከቶ ኣይነበረን።


ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥


ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።


ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።


“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?


ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።


ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos