3 “ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ።
ነቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዀረብታታት እኳ እንተ ዘየወገዶ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ፍፁም ነበረ።
እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።
ሕዝቅያስ ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።
“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ።
ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”
እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ።
ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ብምሉእ ልቡ ኣይኮነን።
እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ።
ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን።
ንሌዋውያን ከዓ ንመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኽቕድስዋ፥ ክነፅሁን ነተን በርታት ኢየሩሳሌም ድማ ኽሕልዉወንን ኣዘዝክዎም።” ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ።
ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!
ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ።
ንፁህ መንገዲ ኸስተውዕል እየ፤ ናባይ መኣዝ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ማእኸል ቤተይ ብንፁህ ልቢ ኽመላለስ እየ።
ሓመድ ከም እኽሊ ቝሒመ ኣለኹሞ፤ ንመስተይውን ምስ ንብዓተይ አሓዋውሶ ኣለኹሞ።
ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥ ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ ኣለኹ፤ ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን።
ምሕረትካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩሞ፥ ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።
እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።
ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ።
ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦
ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ንዅሎም ፀላእትኹም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይን ግበሩ።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።