3 ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ “ንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መከራን ውርደትን እያ፤ ህፃናት ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
“ቅልውላው እንተይሓዛ ወለደት፤ እንተይተፅዓረት ከዓ ወዲ ወለደት።
ኣነ ኣብ ጊዜ ምውላድ ዘብፃሕኹስ፥ ከም እትወልድዶ ሓይሊ ኽህብ ኣይክእልን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፥ ንማህፀንዶ እዓፁ እየ?” ይብል ኣምላኽኪ።
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ።
“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።