2 ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ንሳምናስ ፀሓፍን፥ ነቶም ሽማግለታት ካህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ክኸዱ ለኣኾም።
“ንንጉስ ሕዝቅያስ ፀውዑልና” ድማ በሉ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤትን፥ ሰብና ፀሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኣቶም ወፁ።
ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤቱን ሳምናስ እቲ ፀሓፍን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም።
እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።”
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።
እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ።
ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ እቲ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኡ ወፁ።
ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ።
ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥
በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።