1 ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
ንጉስ ሕዝቅያስን ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ግና ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ እግዚኣብሄር ፀለዩ፤ ናብ ሰማይውን ኣእወዩ።
ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ።
ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ።
“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”
እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።