4 ራፋስቂስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንሕዝቅያስ፥ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ እዝ እትተኣማመኖ ዘለኻ መተኣማመኒ እንታይ እዩ?”
ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ።
ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፤ ይሁዳ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉስ ረኺባ ኣይትፈልጥን።
“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ ‘እዝ ንስኻ እትእመኖ ዘለኻ ኣምላኽካ “ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ” ኢሉ ኣየዐሹኻ።
ፀላእተይ ኵልሻዕ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እንትብሉኒ፥ ኣዕፅምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ፀረፉኒ።
ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።
ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።
“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።