2 ኣብ ላኪሶ ኮይኑ ኸዓ፥ ንራፋስቂስ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ፥ ናብ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ሓፅቢ መስኖ፥ ብመንገዲ ግራት ሓፃቢ ገይሩ፥ ናብቲ ላዕለዋይ መፂኡ ደው በለ።
ናብ ከተማ፥ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም።
እስኪ ሕዚ ምስ ጐይታይ፥ ምስ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፤ ንስኻ ዝቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፥ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤
ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት።
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”