1 ከምዙይ ከዓ ኾነ፦ ሕዝቅያስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዅላተን ደዪቡ ሓዘን።
ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን።
ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ።
ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይን እዝ እምነት እዙይን፥ ንጉስ ኣሶር ሰናክሬም መፂኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ከቢቡ ድማ ኽሕዘን ሓሰበ።
ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”