Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 34:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ወሓይዝ ኤዶምያስ ናብ ቅጥራን፥ ሓመዳ ኸዓ ናብ ዲን ክልወጥ፥ ምድራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 34:9
10 Referencias Cruzadas  

ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ።


ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ዘይሰቡ ይነብሩ፤ ኣብ መንበሪኡውን ዲን ይንስነስ።


መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።


ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።


ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።


ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።


ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።


እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።


እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos