7 ምስኣቶም ድማ ጐባያትን ኣእሩሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፤ ሃገሮም ከዓ ብደም ክትረዊ፥ ሓመዶምውን ብስብሒ ኽትረጕድ እያ።
ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፤ ካብ ሓደ ዝቐርኑ ጐባይ ኣናግፈኒ።
ነቶም ኣብ ውሽጢ ሻምበቆ ዘለዉ ኣራዊት፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣህዛብ ዘለዉ፥ ማሕበር ኣብዑርን ምራኹትን ገስፆም። እቶም ከም ብሩር ዝተፈተኑ ኣህዛብ ከይዕፀዉ፥ ነቶም ውግእ ዝፈትዉ ኣህዛብ በትኖም።
ቀርነይ ግና ሓደ ቐርኒ ኸም ዘለዎ ጐባይ ልዕል ልዕል ይብል፤ ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ።
ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
“ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ነታ እትሕምሰላ ዘለኻ ምድሪ፥ ክሳዕ እምባታት ብደምካ ኸስትያ እየ፤ እቲ ሩባታት ከዓ ብኣኻ ኽመልእ እዩ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’
ስጋ ናይቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፥ ደም ናይቶም ኣሕሉቕ ምድርን ናይ መኻኽትን ማጓሉን ዲበላታትን ኣብዑርን ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦ፤ ሓይሉ ኸም ናይ በዓል ሓደ ቀርኒ ሓርሽ እዩ፤ ነቶም ዝፃረርዎ ኣህዛብ ክበልዖም እዩ፤ ነዕፅምቶምውን ክሰባብሮ እዩ፤ ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ።
ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”