4 ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም።
ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ።
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
“ኣየ ኣታ ብሩህ ኮኸብ ወዲ ወጋሕታ፥ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ! ንስኻ ንኣህዛብ ዘዋረድካስ፥ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ!
ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ትድንግፅ፤ ሰማያት ይንቅጥቀጡ፤ ፀሓይን ወርሕን ይፅልምታ፤ ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ።
ፀሓይን ወርሕን ፀልሚተን እየን፤ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ሰዊሮም እዮም።
“ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
እቲ በጊዕ፥ ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፈትሖ እንተሎ ኸዓ ረአኹ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ወጮ ፀለመት፤ ወርሒ እውን ኵለንትናኣ፥ ከም ደም ኮነት።
እቲ ራብዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሲሶ ፀሓይን፥ ሲሶ ወርሕን፥ ሲሶ ኸዋኽብትን፥ ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሳልሳይ ኣፍ ድማ ፀልመተ። ስለዙይ ሲሶ ናይ መዓልቲ፥ ፀልመተ፤ ሲሶ ናይ ለይቲ ኸዓ፥ ብዘይ ብርሃን ወርሕን ከዋኽብትን ኮነ።