3 እቶም ካብኣቶም ዝተቐትሉ ናብ ደገ ኽድርበዩ እዮም፤ ሬሳኣቶምውን ክጨኑ እዩ፤ እምባታት ድማ ብደሞም ክርሕሱ እዮም።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ምስኣቶም ድማ ጐባያትን ኣእሩሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፤ ሃገሮም ከዓ ብደም ክትረዊ፥ ሓመዶምውን ብስብሒ ኽትረጕድ እያ።
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን።
“ወይ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም እንተ ኣፍሰስኩ፥
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፃሕ ከብለካ፥ ኣብ በረኻ ኽድርብየካ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፤ ንኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ፥ ብኣኻ ኸፅግቦም እየ።
ስለዙይ ኣነ ህያው እየሞ፥ ንደም ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ክውፍየካውን እየ፤ ደም ከዓ ኸሳጕጐካ እዩ፥ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር፤ ደም ኣይፀላእኻን እሞ፥ ደም ከሳጕጐካ እዩ።
ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ።
ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ።
ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።
“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
ፈረሰኛ ይጋልብ፤ ሰይፊ ሃልሃል ይብል፤ ኲናትውን ማሕማሕ ይብል፤ ዝሞተ ብዙሕ እዩ፤ ቍፅሪ ዘይብሉ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተዀመረ፤ ማእለያውን የብሉን፤ ብሬሳኣቶም ከዓ ይዕንቀፉ።
እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ድማ ወሓዘ።