16 ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፥ ኣፈይ ኣዚዙ እዩሞ፥ መንፈሱውን ኣኪብዎም እዩሞ፥ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ መፃምዲውን ኣይስእንን እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡር ምእንቲ ኽጠፍእስ፥ እንሆ ኣነ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ ኸምፅእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ኽመውት እዩ።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
ልብኻ ንተግሳፅ፥ እዝንኻ ኸዓ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”
ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።”
እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ።
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”
ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።
መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።
እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
ብዙሕ ጕድኣትን ጭንቕን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ክምስክረለይ እዩ፤ ካብ ኣፍ ደቆም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፥ ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና እንተየእተኹዎም እኳ፥ እቲ ሎሚ ዝሓስቡዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ።”
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።