8 ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን።
ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤ ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤ ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።
ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ከምዙይ ከዓ ኾነ፦ ሕዝቅያስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዅላተን ደዪቡ ሓዘን።
ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥ መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤ ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤ ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ። ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤ ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።
ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።
ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።
ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥ ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤ ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።
ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ።
ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።