6 ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕኻ፥ ምፅንናዕካ፥ መንገዲ ቕንዕናኻውን ተስፋኻዶ ኣይኮነን?”
ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሎም እዩ፤ ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ።
ስለ ቕንዕናን ስለ የውሃትን ስለ ፅድቅን ኣቕንዕ፤ ተዳሎ ንገስውን፤ የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ።
ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፤ ዕሽነት እቶም ዓያሹ ግና ዅልሻዕ ዕሽነት እዩ።
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ፅኑዕ እምባ ኣለዎ፤ ንደቁውን መዕቘቢ ይረክብ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ህይወት ፍልፍል እዩ፤ ንሰብ ከዓ ኻብ መፃወዲያ ሞት የድሕኖ።
ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናብ ህይወት ይመርሕ፤ እቲ ዝፈርሖውን ፀጊቡ ይሓድር፤ ክፉእ ከዓ ኣይረኽቦን።
ሽዑ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ክትፈልጥ ኢኻ፤ ንፍልጠት ኣምላኽ ከዓ ኽትረኽቦ ኢኻ።
ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።
ንጉስ ንሃገሩ ብፍትሒ የፅንዓ፤ ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ።
ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ።
ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኽዝመር እዩ፤ ፅንዕቲ ኸተማ ኣላትና፤ እግዚኣብሄር ቅፅርን ዕርድን ገይሩ፥ ምድሓን ከንብረላ እዩ።
ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን።
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ እዩ፤ ኣይመውትን ናብ ጕድጓድውን ኣይወርድን፤ እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።”
ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።
ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።
“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።