4 ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።
ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ኽሳዕ ጌራራ ኣሳጐጕዎም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ብእግዚኣብሄርን ብሰራዊቱን ተደምሰሱ እሞ ኻብኣቶም ሓደ እንተይተረፈ ሞቱ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ።
ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ።
ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ።
እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።
ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።”
ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፤ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸዓ ቃቔጣ በልዖ፤ ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።
ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤ ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።
ነታ ኸተማ ይወሩ፤ ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤ ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።