2 ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።
እቶም ኣባኻ ተስፋ ዝገብሩ፥ ኣይሓፍሩን እዮም፤ እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ብኣኻ ዝተኣመንና፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ትኹን።
ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸላ እዩ፥ ኣይትናወፅን፤ እግዚኣብሄር ቀልጢፉ ኽረድኣ እዩ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ብመከራና ረድኤት ሃበና፤ ምድሓን ሰብውን ከንቱ እዩ።
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልቲታትን፥ ክፉእ ዝረአናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም።
እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤ ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።