16 ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ።
ነቲ ድኻውን ካብ ሽግሩ ረድኦ፤ ንወገናቱ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብዝሖም።
ንዝፈርሕዎ ምግቢ ይህቦም፤ ንኪዳኑውን ንዘለኣለም ይዝክር።
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ እምባኻ ዝነብርከ መን እዩ?
ነእጋረይ ከም እግሪ ሰስሓ ዘፅንዐን፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ፥ እግዚኣብሄር እዩ።
እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።
ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።
ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
ምድሓነይን ክብረይን ብእግዚኣብሄር እዩ፤ ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።
በኣይ ተኣማሚኑ እዩሞ ኸናግፎ እየ፤ ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ።
እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ።
ብቕንዕና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፤ ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ።
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን።
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”
ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
ጐይታ እግዚኣብሄር ሓይለይ እዩ፤ ንሱ ነእጋረይ ከም ኣእጋር ዋልያ ይገብረን፤ ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ከም ዝኸይድ ይገብረኒ።
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤ ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ? ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥ ሰይፊ መመክሒኻ እዩ። ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።