3 ዓይኒ ዝሪኡ ሰባት፥ ኣይዕመትን፤ ዝሰምዑ ኣእዛንውን ከዳምፁ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።
እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።”
በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።
ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።