12 ስለ እቲ ልሙዕ ግራትን ስለ እቲ ፈራዪ ኣታኽልቲ ወይንን፥ ኣፍ ልብኽን ውቕዓ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ።
ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።
ኣብ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብታ ሕጕስቲ ኸተማ ዘለዋ ዝሕጐሱለን ዝነበሩ ኣባይቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ክበቍል እዩ።
ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፤ ንኦም በለሰይ ድማ ፈሓቆ፤ ጨሪሱ ቐንጢጡ ኸዓ ደርበዮ፤ ጨናፍሩውን ፃዕደወ።
እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤ እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥ ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።