7 ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”
እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤ ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።
“ንዝፈልጣኒ ንረዓብን ንባቢሎንን እዝክረን ኣለኹ፤ እንሆ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፥ እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።”
ንስኻ ንረዓብ ከም ዝተቐትለ ኣዋረድካዮ፤ ብሓይሊ ቕልፅምካውን ንፀላእትኻ በተንካዮም።
ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም።
ብጊዜ መከራ ኣብ ጠላሚ ሰብ ምፅጋዕ፥ ከም ዝተነቓነቐ ስንን፥ ከም ዝሰለለ እግርን እዩ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?
በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”
“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።”
ንስኻ ንሓደ ሓለቓ ናይቶም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ፥ ንድሕሪት ክትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግና ኣብ ናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተኣማሚንካ ኣለኻ።
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’
“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።