12 ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥
“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”
ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ፤ ምድሪ ኸዓ ንደማ ኽትቀልዖ እያ፤ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይትኽውሎምን እያ።
ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥
እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።
ንህዝበይ ንምንታይ ተድቅቕዎ ኣለኹም? ንገፅ ድኻታት ንምንታይ ትጥሕንዎ ኣለኹም?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”
“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።
ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”
“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥
ንኣይ ረሲዕኽኒ፥ ኣብ ሓሰትውን ተኣሚንኪ ኢኺሞ፥ እቲ ኣነ ዝህበኪ ኽፋል ግደኺ እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።