6 ሰብ ኣብ ውሽጢ እንዳቦኡ፥ ንሓዉ ሒዙ “ንስኻ ኽዳን ኣለካ እሞ፥ መራሒ ኹነና፤ ነዝ ዑና እዙይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ” እንትብሎ፥
ንሱ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኣነ በዓል መድሓኒት ኣይከውንን፤ ኣብ ቤተይ ድማ እንጀራ ወይ ክዳን የለን እሞ፥ መራሒ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ” ክብል እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ “እንጀራና ንበልዕ፤ ክዳንናውን ንኽደን፥ ግና ጥራሕ ስምካ ኣብ ልዕሌና ይፀዋዕ፤ ውርደትናውን ኣወግደልና” እናበላ ኽሕዛኦ እየን።
ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።