3 ንሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይን ንመማኸርን ንበዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛሚን ከወግዶም እዩ።
ቅልፅሙ ዘበርትዐ ንምድሪ ገዝኣ፥ እቲ ኽቡር ሰብ ከዓ ዝነብረላ ኾነት።
ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።
ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
ንጅግና ንተዋጋኢ ንፈራዲ ንነቢይ ንጠንቋሊ ንሽማግለ፥
መራሕቶም ክኾኑ፥ ቈልዑ ኸልዕለሎም እየ፤ ህፃናት ከዓ ኽገዝእዎም እዮም።
ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።
እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም።
“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።
ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።
ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም።