17 ስለዙይ ጐይታ ንናላ ኣዋልድ ፅዮን ከንኵዖ፥ ንሕፍረተን ከዓ ኽቐልዖ እዩ።”
ኣትን ኣዋልድ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐሱን እኖኡ ዝደፍአትሉ ኣኽሊል ገይሩ ኽትሪኣ ውፃ።
ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ።
መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ንናይ ክብሪ ገይፀን፥ ንኣምባር እግረንን ንገይፂ ፀጕረንን፥ ቅርፂ ወርሒ ንዘለዎ ገይፂ ኽሳደንን፥
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
ወይ ጐባጥ፥ ወይ ድንኪ፥ ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፥ ወይ ሻሕራም፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ።
ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተልዒለ እየ፤ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ፤ ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ።
እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።
ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።