15 ንህዝበይ ንምንታይ ተድቅቕዎ ኣለኹም? ንገፅ ድኻታት ንምንታይ ትጥሕንዎ ኣለኹም?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ኣዋረዱ፤ ንርስትኻውን ኣጨነቑ።
እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።
ንምስኪናት ካብ ምድሪ፥ ንድኻታት ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኸጥፍእን ክጭርስን፥ ሰይፊ ዘስናኑ፥ ካራ ዝዀራርምቱ ትውልዲ ኣሎ።”
በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ።
እግሪ፥ ኣእጋር ድኻታትን፥ ስጕምቲ ፅጉማትን ክትረግፃ እያ።
እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።
ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥
ሰነፍ ስንፍና ይዛረብ፤ ልቡ ዝንጉዕነት ምእንቲ ኽፍፅም፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ምእንቲ ኽዛረብ፥ ንጥሙይ ጥራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ንፅሙእ ድማ ዝስተ ምእንቲ ኽኽልክል፥ ሕሰም ይዛረብ፤ ልቡ ኸዓ ኽፍኣት ይሰርሕ።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም።
እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ።
“ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ዘቢብ በልዑ እሞ፥ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ’ ኢልኩም እትምስሉ?
እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።