13 እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ።
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ በቐልካ ተበቀል፤ ሰነፋት ኵልሻዕ ዘባጨዉልካ ዘክር።
እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤
እግዚኣብሄር ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ብሓዊን ብሰይፍን ክፈርድ እዩሞ፥ እቶም ብእግዚኣብሄር ተወጊኦም ዝሞቱ ኸዓ፥ ብዙሓት እዮም።
ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥ ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥ እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥ ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።
እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።”
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።