Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 3:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 3:11
36 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።


ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።


ቀፂሉ ኸዓ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኽፉእ ከምፅአልካን ፈፂመ ኸጥፍአካን እየ፤ ኣብ እስራኤል ካብ ኣክኣብ ዝውለድ ኵሉ ዓብዪ ኾነ ንእሽተይ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍኦ እየ።


ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ።


ሓጥእ እንተ ኾንኩ ወይለይ! ፃድቕ እንተ ኾንኩውን ርእሰይ ከቕንዕ ኣይክእልን፤ ውርደት ተመላእኹ፤ መከራይውን እርኢ ኣለኹ።


ከም ስራሖምን ከም ክፉእ ኣካይዳኦምን ሃቦም፤ ከም ተግባር ኣእዳዎም ሃቦም፤ ፍዳኦምውን ናብ ርእሶም ምለሰሎም።


ኦ ጐይታ፥ ምሕረትውን ናትካ እዩ፤ ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።


ፍረ መንገድኹም ክትበልዑ፥ ካብ ምኽርኹምውን ክትፀግቡ ኢኹም።


እንሆ ፃድቕ ፍዳኡ ኣብ ምድሪ ዝቕበል ካብ ኮነ፥ ሓጥእን ዓማፅን ደኣ ኸመይ ክኾኑ እዮም?


ነፍሲ ሰብ፥ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ነገር ትፀግብ፤ ሰብ ድማ ኸም ስራሕ ኢዱ ይፍደ።


ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፤ እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ።


ሓጥእ ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሕን እዩ እሞ፥ ሰናይ ኣይኾነሉን፤ ንመዓልትታቱውን ከም ፅላሎት ገይሩ ኣየንውሕን እዩ።


ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።


“ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።


“እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”


ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ብገዛ ሓጢኣቱ ይመውት፤ ኵሉ መፂፅ ፍረ ወይኒ ዝበልዕ፥ ንናይ ባዕሉ ስኒ ይኸኽዎ።”


እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።


ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ።


ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።


ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።


እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።


“ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ።


ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።


እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።


ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፥ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ኢዮኣታም ወዲ ጌዴዎን ከዓ ኣብ ረርእሶም በፅሐ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos