Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 3:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 3:1
19 Referencias Cruzadas  

ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።


ምእንትኣቶም ንነገስታት ገሰፀ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጥሜት ኣምፅአ፤ ንዅሉ ሓይሊ እኽሊ ኣጥፍአ።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።


በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?


መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥


ራፋስቂስ ግና “ጐይታይ እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ምስ ጐይታኻን ምሳኻን ጥራሕ ክዛረብ ድዩ ዝለኣኸኒ? ኣይፋሉን፤ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን፥ ሽንቶም ክሰትዩን፥ ኣብ ቅፅሪ ተቐሚጦም ናብ ዘለዉ ሰባትውንዶ ኣይኮነን ዝለኣኸኒ?” በለ።


ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።


እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤


ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።


ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።


እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።


ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።


ማይና ብዋጋ ንሰቲ፥ ዕንፀይትናውን ብመሸጣ ንዕድግ።


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥


እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም።


“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos