2 ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።
ንበዓላት ሰርቂ ኣዋርሕኹምን ንዓመታዊ በዓላትኩምን ነፍሰይ ፀሊኣቶ ኣላ፤ ሸኽሚ ኾይኑኒ ኣሎ፤ ክዕገሶውን ኣይከኣልኩን።
በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።
በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ።
እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።
ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ።
ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
ሄ። እግዚኣብሄር ከም ፀላኢ ኾይኑ፥ ንእስራኤል ወሓጦ፤ ንዅሉ ቤተ መንግስታን ዕርድታታን ኣፍረሶ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ይሁዳ ኸዓ፥ ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ።
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’