9 “ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ?
ንነፍሰይ ኣዕረፍክዋ፤ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ህፃን ስቕ ኣበልክዋ፤ ነፍሰይ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ኣብ ውሽጠይ እያ።
ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ፍልጠት ስለ ዝፀላእኹም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረፅኩም፥
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ።
እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን።
እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።
“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።