5 በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።
ንፅድቂ ለበስክዋ፤ ንሳውን ለበሰትኒ፤ ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
ካብ ወሰን ምድሪ “ክብሪ ነቲ ፃድቕ ይኹን” ዝብል መዝሙር ሰሚዕና። ኣነ ግና ዓበርኩ፤ መንመንኩ፤ ወይለይ! ከሓድቲ ይዕምፁ ኣለዉ፤ ዓመፅቲ ኸዓ የመና ይዕምፁ ኣለዉ በልኩ።
እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።
ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
“ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥ ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።
ብኢድ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ኣኽሊል፥ ብኢድ ኣምላኽኪ ድማ፥ ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ።
ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።