Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 28:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 28:4
12 Referencias Cruzadas  

ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!


ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።


ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን።


ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?


ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።


ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።


ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።


ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos