12 “ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።
ንሓደ ንባብ ዘይፈልጥ ከዓ “እንካ እስኪ ነዙይ ኣንብብ” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱውን “ምንባብ ኣይክእልን እየ” ይብሎም።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።
ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?