11 እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ።
ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ።
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።
ናብ ቤት እስራኤል እምበር፥ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዓል፥ ዘረባኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ፥ ናብ ቃላቶም ዘይትርድኦ ህዝብታት ኣይተልኣኽካን፤ ብርግፅ ናብኣቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንስ፥ ምሰምዑኻ ነይሮም።
ኣብ ኦሪት፦ “ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ብኻልእ ዝቛንቋኣቶም ሰባትን፥ ብኣፍ ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦም እየ፤ ምስ እዝ ዅሉ እኳ፥ ኣይሰምዑንን እዮም’ ይብል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ።
“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።