10 ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።”
ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።
ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?
ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ፥ ደጊመ ኽፅሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩ እሞ።
እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን።
ኻብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ፥ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ፀባ ደኣ እምበር፥ ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ።