1 ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።
ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ።
ዋይዋይታ፥ ንመንዩ? ባእሲ፥ ንመንዩ? ሓዘን፥ ንመንዩ? ብኽያት፥ ንመንዩ? ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል፥ ንመንዩ? ምቕያሕ ዓይኒ፥ ንመን እዩ? ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጕዩ፥ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርፁ ዝእከቡዶ ኣይኮነን!
ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።
እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!
እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥
ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ።
ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ።
ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤
“ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ።
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ።
ኣብ ቤት እስራኤል ዘስካሕክሕ ነገር ረአኹ፦ ኣብኡ ናይ ኤፍሬም ምንዝርና ኣሎ፤ እስራኤልውን ረኸሰ።”
ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።
ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።
ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።
ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ።
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!
ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥
ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም!
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።