9 እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
ነቲ ኣብ ቤት ጣዖት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከዓ ኣውፂኦም ኣንደድዎ።
ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ።
ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን።
ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት።
ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ።
ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ።
ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።
ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”
ስምብራት ዝሓድግ መውቃዕቲ፥ ንኽፍኣት የንፅህ፤ መግረፍቲ ኸዓ ንውሽጢ ልቢ የፅርዮ።
ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
ከም ብሩር ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣምከኽኩኻ፤ ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።
ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም።
ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ።
ክሳዕ ፍፃመ ዘመን፥ ምእንቲ ዝፀረዩን ዝነፀሩን ኣበር ዘይብሎምን ክኾኑ፥ ካብቶም ጠቢባን ሓድሓደ ኽወድቑ እዮም፤ እቲ ውሱን ጊዜ ገና ኣይበፅሐን እዩ።
ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።
ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና።
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፤ እቲ ንምስሊ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕምዶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ሰባብሩ፤ ስሞም ድማ ኻብቲ ቦታ እቱይ ኣጥፍኡ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።”