6 በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
እዚኣቶም ነቲ ዅሉ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገፅ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፥ ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ።
በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ደስ ክብሎም እዩ፤ እቲ ምድረ በዳ ኸዓ ዕልል ክብል፥ ከም ፅጌረዳ ድማ ኽዕምብብ እዩ።
ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።
እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥ እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥ ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥ ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”
ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።
ኣባኻትኩምን ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤልን ከዓ ሰብ ከብዝሐላ እየ፤ ከተማታት ሰብ ክሰፍሮ፥ ዑናታት ድማ ኽስራሕ እዩ።
ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።
ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።