4 ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።
ኵሎም እቶም ዓመፀኛታት ሰባት ግና፥ ከምቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሓዝ፥ ዝተድርበየ እሾዅ እዮም።
ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ እንተ ደለየ ግና፥ ብኢዱ ሓፂንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፤ ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።”
ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ።
ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፤ ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ።
እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም።
ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።
ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።
በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”
እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፥ ንመርገም ዝቐረበት፥ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ምንዳድ እዩ።
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።