Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 27:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 27:12
24 Referencias Cruzadas  

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥


በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ።


ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ካብ ባሳን ከምፅኦም እየ፤ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ እውን ክምልሶም እየ፤


ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ።


ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”


ሕዚ ኣነ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢረ ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ሓይለይ ኮይኑኒ እዩ፤ ንያእቆብ ናብኡ ምእንቲ ኽመልሶ፥ ንእስራኤልውን ናብኡ ምእንቲ ኽእክብ፥ ባርያኡ ክኸውን፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦


እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”


“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።


ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።


ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።


“እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ።


“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤


“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?


ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።


ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።


ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ነበረ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰኖም እዙይ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos