8 ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ተስፋ ገበርኩ፤ ነፍሰይ ብሕግኻ ተዓገሰት።
ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ።
ነፍሰይ፥ ናብ ህያው ኣምላኽ ትናፍቕ፤ መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ?
ንእምባታት ብሓይልኻ ኣፅናዕኻዮም፤ ሓይሊውን ተዓጠቕካ።
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ።
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ፥ ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብዘይ ንስኻ፥ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና ነይሮም፤ ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር።
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
“ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤ ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤ ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥
ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።
“ነቲ ንዅሎም እስራኤል፥ ሕግጋትን ስርዓትን ክኸውን ኢለ፥ ንባርያይ ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ ዘክርዎ።
እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ።
ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ።
ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።